11 መሰከረም 2016 ዓ.ም
ተጋሩ ዲያስፓራ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት – ፍትሒ ክረኽቡ ዝፅውዕ ሰልፊ ኣብ ስዊዘርላንድ ጄነቫ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን
ተጋሩ ዲያስፓራ ትማሊ ኣብ ጄኔቫ ቤት ፅሕፈት ውድብ ሀገራት ካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ተሪኺቦም ደምፆም ኣብ ዘስምዑሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ዝተፈፀሙ ዓለም ለኸ ገበናት፣ ግፍዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፍትሒ ክረኽቡ ድሕሪ ምሕታት ዕድመ ስራሕ ዘበን ዓለም ለኸ ኮሚሽን ምፅራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሀገራት ክናዋሕ ሓቲቶም ።
በተመሳሳሊ መልክዑ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዕድመ ስራሕ ኮሚሽን ምፅራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሀገራት ንኸናዋሕ ፀቕጥታቶም ከሐይሉ ወሲኾም ፀዊዖም።