“ኣብ ትግራይ ዝርገሐ ቫይረስ ኤች ኣይቪ ብዘሰንብድ መልክዑ ናብ 10.5 ሚእታዊ በሪኹ’ሎ።” – ቢሮ ጥዕና ትግራይ።

26 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣብ ትግራይ ዝርገሐ ቫይረስ ኤች ኣይቪ ካብ 1.8 ናብ 10.5 ሚእታዊ ከምዝበረኸን እዚ ቁልጡፍ ዝርገሐ ኣዝዩ ከምዘሰንብድን ከምዘተሓሳስብን ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ርእየ ኢሰያስ ከምዝገለፅዎ እዚ ቁልጡፍ ዝርገሐ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ኣብ ክልልና ብዝተኻየደ ቁሉዕ ወራርን ብድሕሪኡን ብዝፍፀሙ ዘለው ፍኑው ፆታዊ ርክባት ስዒቡ ከምዝተመዝገበን እዚ ቁልጡፍ ዝርገሐ ቫይረስ ኣብ ትሕቲ ክሊ ዕድመ 25 ዓመትን ትሕቲኡን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መናእሰይ ምምዝጋቡ ድማ ኣዝዩ ከምዘሰንብድን ከምዘተሓሳስብን ገሊፆም።

ቅድም ክብል ኣብ ክልልና ቅድሚ ቁሉዕ ወራር ምክያዱ 1.8 ሚእታዊ ዝነበረ ዝርገሐ እዚ ቫይረስ ድሕሪ እቲ ቁሉዕ ወራር ናብ 10.5 ሚእታዊ ከሞዝበረኸ ዝገለፁ ዶ/ር ርእየ ኢሰያስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ሞንጎ እቶም ምርመራ ዝገብሩ 25 ሰባት እቶም 2 ግዳይ እቲ ቫይረስ ኮይኖም ይርከቡ ከምዘለው ኣረዲኦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ምርመራ ኤች ኣይ ቪ ዝገብር ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ስዒቡ ንቑልጡፍ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ልዑል ግደ ይፃወት ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንግዳይ እቲ ቫይረስ ተቓላዕቲ’ዮም ኣብ ዝብሃሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ወፍሪ ምርመራ ኤች ኣይ ቪ ከምዝካየድ ግልፂ ገይሮም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *