” ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩለመዳያዊ ዕንወት ስዒቡ ከጋጥም ንዝኽእል ዋሕዚ ስደት ንምክልኻል ኣብ ምህዞ ትኹረት ምግባር ኣገዳሲ’ዩ።” – ቢሮ ምህዞን ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ።

ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩለመዳያዊ ዕንወት ስዒቡ ከጋጥም ንዝኽእል ዋሕዚ ስደት ንምክልኻል ኣብ ምህዞ ትኹረት ምግባር ኣገዳሲ ስለዝኾነ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምህዞን ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክሕገዝ ከምዝግባእ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ከላሊ ኣድሓና ኣገንዚቦም።

ዶ/ር ከላሊ ንዚ ዝገለፁ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሳይንስ ምኽንያት ብምግባር ሳይንስ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ክህልዎ ብዛዕባ ዝግባእ ግደ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ’ዩ።
ብፍላይ ሳይንስ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ንምብቃዕ ክንጥቀመሉ ይግባእ ዝበሉ ዶ/ር ከላሊ ኣብዚ መዳይ ዝተደረኸ መድረኽ ዘተ ብቐፃልነት ምስ ደቂ ኣንስትዮ ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ መድረኽ ግደ ሳይንስ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ቀሪቦም’ዮም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *