“ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝውውር ደቂ ሰባት ሰብ መዚ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከይተረፉ ሱታፌኦም ዘዕዘዝሉ’ዩ።” – ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ዝተጠላለገ ከቢድ ገበን – ሰብ መዚ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከይተረፉ ሱታፌኦም ዘዕዘዝሉ ከምዝኾነ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዶ/ር ሓድሽ ተስፋ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓበራዊ ጥምረት ምግታእ ዋሕዚ ስደት ንምጥያስ ኣብ ዝተሰላሰለ መድረኽ ዘተ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለፅዎ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ብባህሪኡ ዝተጠላለገን ከቢድ ገበንን ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ – ብዝካየዱ ዘለው መስርሕ ምፅራይ ሰብ መዚ ስራሕ መንግስቲ ከይተረፉ ሱታፌኦም ዘዕዘዝሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ትግራይ ምስቲ ዝተኻየደ ከቢድን ኣዕናውን ውግእ ስዒቡ ንዋሕዚ ስደት መናእሰይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሉዑል ግደ ይፃወት ከምዘሎ ዝሓበሩ ዶ/ር ሓድሽ ተስፋ ኣብ ከቢድ ገበን ንግዲ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተበራኺቶም ከምዘለውን ኣብዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሱታፌ ሰብ መዚ ስራሕ መንግስቲ ከይተረፉ ኢድ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ምጥያስ ሓበራዊ ጥምረት ምግታእ ዋሕዚ ስደት ኣብ ትግራይ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ዝገለፁ ዶ/ር ሓድሽ ትግራይ ንዚ ዝጣየስ ዘሎ ሓበራዊ ጥምረት ከምትድግፍን መሪሕ ኮይና እጃማ ከምትፍፅምን ድማ ኣፍሊጦም።

ኣብ መወዳእታ ንሚኒስትሪ ፍትሒ ሓዊሱ ኩሎም ንስምምዕ ሰላም ውዕል ፕሪቶርያ ኽግዝኡን ንተግባራውነቱ ክነጥፉን ዶ/ር ሓድሽ ፀዊዖም።

እቲ ሓበራዊ ጥምረት ምግታእ ዋሕዚ ስደት ከምዝተጣየሰ ድማ ማዕከናት ዜና ፌደራል ፀብፂበን።

#ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *