11 መሰከረም 2016 ዓ.ም
ምክትል ሓላፌት ቢሮ መንገድን መጓዓዝያን ትግራይን ወ/ት ራሄል ሃይሉ ፤ ሓላፊ ፖሊስ ትራፊክ ትግራይ ኮማንደር ኣብርሃ ወረደ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሐዚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ ዕላዊ መግለፂ ከምዝሓበርኦ ኣብ ትግራይ ካብን ናብን ንዘሎ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ዋጋ ዕዳግኡን ስርዓት ንምትሓዝ ዘኽእል ቀያዲ መስርሕ ዋጋ (ታሪፍ) ከምዝወፀ ኣረዲአን።
እቲ ዝወፀ ቀያዲ መስርሕ ኣብ ውሽጢ ከተማ ንዘሎ ኣዋህባ ኣገልግሎት ታክስን ተመን ዋጋን (ታሪፍ) ከምዘካትት ወሲኸን ሓቢረን ኣለዋ ከም ፀብፃብ መሳርሕትና ጋዜጠኛ ሙሉብርሃን መኮነን።
