“ኣብ ትግራይ ካብን ናብን ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ህዝቢ ዝገትእ መምርሒ ኣይወረድናን” – ቢሮ መጓዓዝያን መንገድን ክልል ትግራይ።

ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ዝኽሪ ሰማእታት ካብን ናብን ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ህዝቢ ደው ክብል’ዩ ተባሂሉ ዝንዛሕ ዘሎ ወረ – መሰረት ኣልቦ ውፅእ ሓሶት’ዩ ክብላ ምክትል ሓላፊት እቲ ቢሮ ወ/ት ራሄል ሃይሉ ሐዚ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝሃበኦ ቃል ሓቢረን።

ብዛዕባ እዚ መሰረት ኣልቦ ወረን ካልእን ንማዕከናት ሓፋሽ መብርሂ ከምዝወሃብ ዝሓበራ ወ/ት ራሄል ህዝቢ ብዝተረጋገዐ መንፈስ ስራሕቱ ከሰላስል ከምዝግባእ ምዒደን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *