ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ዝወለዶ ሕሱም ጥሜትን ሞትን ብህፁፅ ንምፍታሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምርብራብ ኣካላት ሚድያ ልዑል እጃም ንኽፃወቱ ፃውዒት ቀሪቡ።

ኮምሽን ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ “ግደ ሚድያ ኣብ ምምካት ሓደጋ ድርቂ” ብዝብል ርእሲ ንኣመራርሓ ሚድያ፣ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ፣ ስነ ጥበባውያንን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ናይ ግንዛበ መዕበይ መድረኽ ኣሳሊጡ ።

ኣባል ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣባ ጥዑመ በርሀ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ ድርቂ ልዕሊ 90 ምኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ከም ዝጠልብ ሓቢሮም ክብል ድወት ፀብፂቡ ።

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ዝወለዶ ጥሜት ተፈጥራውን ሰብ ስራሕ ፀገማትን ዘስዓቦ ከምዝኾነ ዘመላኸቱ ኣባ ጥዑም በርሀ ፣ ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣፍ ሞትን ሕውየትን ይርኸብ ኢሎም።

ህዝብና ድርቂ ብዘስዓቦ ጥሜት ኣብ ዝሞተሉ እዋን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ድርቂ እምበር ጥሜት የለን ምባሉ መሕዘኒ እዩ ዝበሉ ኣባ ጥዑም ፣ከም ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዝተረኸበ ኩለመዳያዊ ሓገዝ ካብ ዝቅፅሉ መዓልትታት ጀሚሩ ብተኣማንነት ናብ ህዝብና ክነባፅሕ ኢና ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *