ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ድርቂ ዝወለዶ ጥምየት ንምምካት ኣብ ልምዓት መስኖ ጠመተ ተገይሩ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ዘተባባዕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብካብኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ቁጠባ ትግራይ ኣይተ በየነ መክሩ ዝተመርሐ ልኡኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ይሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ምግፋሕ ልምዓት መስኖ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ስዒቡ ዝተፈጠረ ጥምየት ንምምካት ኣብ ምግፋሕ ልምዓት መስኖ ጠመተ ተገይሩ እናተሰርሐ ይርከብ።

ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ድማ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ድርቂ ንምክልኻል ይሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ምግፋሕ ልምዓት መስኖን ውፅኢታውነቱን ንምዕዛብ ድማ ብካብኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ቁጠባ ኣይተ በየነ ምክሩ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዑደት ኣካይዱ ከይዲ ዕውትነት እቲ ስራሕ እውን ተዓዚቡ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያታት ካራ ዓዲ ሽሁ ዋርግባ ከምኡ እውን ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያ ሓደ ኣልጋ ብውልቀ ሓረስቶትን መንኣሰይን ከምኡ እውን ብ ኢንቨስተራትን ይሳለጡ ኣብ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ተዘዋዊሩ ዝተዓዘበ እንትኾን ኣብቲ ዓውዲ እናነጠፉ ምስ ዝርከቡ ሓረስቶትን ኢንቨስተራትን ብምዝታይ ድማ ዝተልዓሉ ልምዓታዊ ሕቶታት ብዝምልከቶም ኣካላት መልስን መብርህን ተዋሂብዎም እዩ።

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዑደት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃቡ ኣይተ በየነ መክሩ ካብቲ ዑደት ዝገጠመና ፀገም ንምምካት ተሓሲቡ ይስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ዝነኣድ ምዃኑ ብምሕባር ካብ ድኽነት ንምንጋፍ ካብ ተፀባይነት ሓገዝ ተላቒቕካ ምስራሕ ጥራሕ ቀንዲ መማረፂ ምዃኑ ክንግንዘብ ገይሩና እዩ ኢሎም ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *