“ኣብ ትግራይ ኣብ 2013 ዓ.ም. ልዕሊ 305 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ኽፈጥረሎም’የ፡፡” – ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2013 ንልዕሊ 305 ሽሕ መናእሰይ ግዝያዉን ቀዋምን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትልሚ ሒዙ ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ገሊፁ፡፡መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ምዕባይ ብቕዓት መናእሰይን ዕድል ስራሕ ፈጠራን እቲ ቢሮ ኣይተ ኣብዱልዓዚዝ ዓብዱልቃድር ከም ዝበልዎ፡ ሎሚ ዓመት ን305 ሽሕን 500 ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ ግዝያዉን ቀዋምን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ፡፡ ነዙይ ብዝግባእ ንምፍፃም ከም ክልል ስትሪም ኮሚቴን ተክኒካል ኮሚቴን ተጣይሹ እዩ፡፡ መናእሰይ ኣብ ሕርሻ፣ ድኣንት፣ ማኑፋክቸሪኒግ፣ ኢንቨስትመንት፣ መዓድን ካልኦት ዘርፍታትን ተዋፊሮም ንክሰርሑ ምስ መድረግቲ ኣካላት ብሓባር እናተሰርሐ እዩ ኢሎም፡፡ኣብዚ በጀት ዓመት 6 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ልቓሕ ንምሃብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ዝሓበሩ ኣይተ ዓብዱልዓዚዝ፣ መናእሰይ ህይወትን ኣካልን ካብ ዝበልዕ ስደት ተናጊፎም፣ መንግስቲ ዘመቻቸወሎም ዕድል ስራሕን ልቓሕን ተጠቒሞም፣ ብድሆታት ተፃዊሮም ኣብ ዓዶም ኮይኖም ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለየ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ተዋፊሮም ብምስራሕ ናብ ብርኪ በዓል ሃፍቲ ዝተሰጋገሩ ሞዴላት መናእሰይ ስለዘለው ኩሉ መንእሰይ ኣሰሮም ተኸቲሉ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ክልዎጡ ኣይተ ዓብዱልዓዚዝ ኣተሓሳሲቦም፡፡ኣብ መወዳእታ ኣይተ ኣብዱልዓዚዝ፣ ኣብ ሕሉፋት ዓመታት ንመናእሰይ ብርክት ዝበለ ልቓሕ ይወሃብ እኳ እንተነበረ ኣብ ምምላስ ግና ዓብይ ፀገም ስለዘሎ ነዙይ ንምምላስ ኩሉ ኣመራርሓ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ሐዚ ኣማስዩ ፀብፂቡ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments