ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈፀሙ ግህሰታት ንምፅራይ ዝተጣየሰ ጉጅለ መርማሪ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝመፅእ ሰሙን ከብቅዕ ምግዳዱ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብትሪ ተቓዊሙዎ።

ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ከምዝሓበርዎ እቲ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ዘለዎ ኰይኑ ብዝከኣሎ ኩሉ ክልተ ግዜ ፀብፃብ ኣቕሪቡዩ። ከም ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ ጉጅለ መፃረይ ንዝገበሮ ፃዕሪ ኣፍልጦ ንህብ፤ የቐንየልና እውን ንብል ድሕሪ ምባል እቲ መርማሪ ጉጅለ እቶም ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ተፈፂሞም ዝብሃሉ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምፅራይ ዝተዋህቦ ግዜ ንክሕደስ ፍቃድ ዘይምርካቡ ኣብ ልዕሊ በደል ህዝቢ ትግራይ ተወሳኪ በደልዩ ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *