“ኣብ ትግራይ ኣሳፊሑ ዘሎ ዝርገሐ ቫይረስ ኤች ኣይቪ ንምክልኻልን ንምግታእን ሉዑል ኣቓልቦ ክወሃቦ ይግባእ።” – ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ።

ኣብ ትግራይ ኣሳፊሑ ዘሎ ዝርገሐ ቫይረስ ኤች ኣይቪ ንምክልኻልን ንምግታእን ሉዑል ኣቓልቦ ምእንታን ክወሃቦ 22 ሕዳር ዓለም ለኸ መዓልቲ ምክልኻል ኤች ኣይ ቪ “መሪሕነት ሕብረተሰብ ንዝለዓለ ምክልኻል ኤች ኣይ ቪ ! ” ብዝብል ቴማ ከምዝኽበር ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ገሊፆም።

ዶክተር ኣማኑኤል ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከም ዝሓበርዎ ብሰንኪ ኩለመዳያዊ ሃስያ ወረርቲ ሓይልታት ቁልጡፍ ዝርገሐ ቫይረስ ኤች ቪ ሳዕሪሩ ስለዘሎ ዝምልከቶ ኣካል ኩሉ እቲ ፀገም ሓደጋ ምዃኑ ተረዲኡ ብሉዑል ትኹረት ክሰርሕ ፀዊዖም።

ወናኒ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ኩለመዳይ ስራሕቲ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣይተ ፍስሃ ብርሃነ ብወገኖም እቲ በዓል ኣብ መላእ ትግራይ ከም ዝበዓል ብምሕባር ብሰንኪ ዝወረደ ኲናትን ዓመፅን ዝተጠቐዓ ኣዴታትን ኣሓትን ኣብ ከባቢአን ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ብድፍረት ወፂአን ክምርመራ ፤ መንእሰያት ንኤችኣይቪ ከምንቡር ሕማም ምርኣይ ገዲፎም ካብ ኤች ኣይቪ ቫይረስ ንነብሶም ክሕሉው ይግባእ ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *