” ኣብ ትግራይ ንዝጀመርኩዎም ስራሕቲ ንዝቕፅሉ 9 ኣዋርሕ ንምጣፍ ዘኽእለኒ ካብ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ዮኤስ ኤይድ በጀት ተዋሂቡኒ’ሎ።” – ዎርልድ ቪዥን።

ኣብ ዎርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ኣብ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት ዝሕገዝ ፕሮጀክት መተሓባበሪ ዝኾኑ ኣይተ አብርሃም ግርማይ ከምዝገለፅዎ ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ወርልድ ቭዥን ንዝሓለፉ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዝተለሞም ስራሕቲ ብዝግባእ ብምዕማሙ ኣብ ትግራይ ዝጀመሮም ስራሕቲ ንዝቕፅሉ 9 ኣዋርሕ ኽቕፅል ብትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ዮኤስ ኤይድ በጀት ተሰሊዕሉ ሓዱሽ ትልሚ ኣፅዲቑ ስርሑ እናወገነ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ወርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዮ ዘፈራት ስራሕቲ ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ንህፃውንቲ ትኹረት ዝገበሩ ስራሕቲ ብስፍሓት እናተሳተፈ ርኡይ ለውጢታት ዋላ’ኳ እንተሳለጠ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ፀገማት ግን እኹል ከምዘይኮነ ገሊፆም።

እቲ ገባሪ ሰናይ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት፣ ጥዕና ፣ ስርዓተ ምግቢ፣ህፃናት ፣ ሕርሻ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ንጥፈታትን ፕሮጀክትታት ቀሪፁ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ ኣይተ ኣብርሃም ግርማይ እቲ ኩናት ምስ ኣጋጠመ እቲ ዝነበረ ሃፍተ ገነት ናብ ህፁፅ ሓገዝ ቅልውላው ብምቕያር ሰብኣዊ ሓገዛት እናሰለጠ ፀኒሑ’ዩ ድሕሪ ምባል ሐዝ’ውን በቲ ዝተሰልዐሉ በጀት ሓዱሽ ትልሚ ኣፅዲቑ ስርሑ እናወገነ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *