“ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ጡረተኛታት ንዘይተኸፈሎም ናይ ጥሮታ ደምወዝ ንኽኸፍል ብፖለቲካዊ ውሳነ ስለዝተኣዘዝኩ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክኸፍል’የ።”-ሚኒስትሪ ፋይናንስ ፌደራል።

ሚኒስተር ዲኤታ ፋይናንስን ፈንድ ጡረታን ዶክተር ኣዮብ ተካልኝ ከምዝገለፅዎ ንኣበርክቶ ጡረታ ኣብ ዘይተኣከበሉ ኩነታት ጡረታ ክኽፈል ዘፍቅድ ስርዓት ከምዘየለ ብምግላፅ ደሞዝ ጥሮታ ንምኽፋል ተገዲዱ ዘሎ ብፖለቲካዊ ውሳነ ምዃኑ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍሊቶም ደው ዝበለ ጡረተኛታት፤ ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ክፍሊት ከምዝወሃቦምን እቲ ኣገባብ ክፍሊት ኣብ መንግስታዊ ትካላትን ውልቀ ትካላትን ዝሰርሑ ንዝነበሩ ጡረተኛታት ዝምልከት ምዃኑ ኣብሪሆም።

ብሰንኪ እቲ ፖለቲካዊ ውሳነ ብሰንኪ ኲናት ዘይተኸፍለ ደሞዝ ጡረተኛታት ተሓሲቡ ክኽፈል ምዃኑ ዶ/ር እዮብ ወሲኾም ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *