“ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ቁሉዕ ወራር ስዒቡ 290 ኣባላተይ ብግፍዒ ተረሺኖም 479 ኣባላተይ ድማ ስኣን ጉቡእ ሕክምናን ሕፅረተ ምግብን ከም ዝመቱ ኣረጋጊፀ ኣለኹ፡፡” – ማሕበር ጉድኣት ኵናት ትግራይ፡፡

እቲ ማሕበር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ስዒቡ 290 ኣባላት እቲ ማሕበር ብግፍዒ ዝተረሸኑ እንትኾኑ 479 ኣባላቱ ድማ ብስኣን ሕክምናን ምግብን ከም ዝመቱ ዛጊድ ብዝተገበረ ዳህሳስ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ኢሉ ፡፡

ንብረት ልዕሊ 5 ሽሕ ኣባላቱ ብወረርቲ ከም ዝተራሰየ ዝሓበረ ማሕበር ጉድኣት ኵናት ትግራይ ልዕሊ ክልተ ሽሕን ትሽዓተ ሚኢትን ኣባላቱ ድማ ከም ዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ፡፡

ማሕበር ጉድኣት ኵናት ትግራይ ብመንግስቲ ፌደራል ተኣጊዱ ዝነበረ ቀዋምን ተንቀሳቓስን ንብረቱ እግዱ ከም ዝተልዓለሉን ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ማሕበር ኣኼባ ቦርድ ብምክያድ ዝርዝር ስራሕቲ ብምግምጋም በጀት 2016 ዓ/ም ድሕሪ ምፅዳቁ ብቐፃልነት ኣብ ጉዳይ ጥዕና ኣባላቱ ትኩረት ሂቡ ንምስራሕ ኣንፈት ኣቐሚጡ ፡፡

ስእሊ ፋይል

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *