“ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ መዓልቶም ዝሓለፎም መድሓኒት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ትግራይ ይኣትው ከምዘለው ኣረጋጊፀʼለኹ።” – በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢን መድሓኒትን ትካላት ጥዕና ትግራይ።

ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ መዓልቶም ዝሓለፎም መድሓኒት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ትግራይ ይኣትው ከምዘለው ኣረጋጊፅናʼለና ክብሉ ሓላፊ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢን መድሓኒትን ትካላት ጥዕና ትግራይ ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ መዓልቶም ዝሓለፎም መድሓኒት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ትግራይ ንዝኣተዉ ንምቁፅፃር ኣብ ልዕሊ 319 ትካላት ተፍትሽ ብምክያድ ኣብቶም 80 ሚኢታዊ ትካላት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተዛሪቦምኣፍሊጦም።

ዝኾነ ይኹን ኣፋውስን መግብን ንጥዕናና ሓደጋ ከየስዕብ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ ዘተሓሳሰቡ እቶም ሓላፊ ብፍላይ ኣብ ፀሓይ ተዘርጊሑ ካብ ዝሽየጥ መግብን ፈሳስን ካብ ምጥቃም ክቁጠብ ድሕሩ ምምዓዶም ዘይሕጋዊ ኣፋውስን ምግብን ንምቁፅፃር ምስ መሓውር ኣካላት ፀጥታ ብምዉዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆምʼለዉ ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

ስእሊ መድሓኒት – ፋይል

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *