ኣብ ትግራይ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዝመወሎ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ክታበት ፀረ ሕማም ትራኮማ ንምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣፍቲ ቢሮ ተተካኢ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምክልኻል ሕማማትን ምሱጓም ጥዕና ሕብረተሰብን ኣይተ ሚኪኤለ ሓጎስ ንዚ ዝገለፁ ሎሚ ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይን ላይት ፎር ዘ ወርልድ ምስ ዝተብሃለ ትካልን ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማም ትራኮማ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን’ዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ብዝመወሎ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ክታበት ፀረ ትራኮማ ኣስታት 1.26 ሚሊዮን ህዝቢ ክኽተብ መደብ ወፅዮሉ ይስራሕ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ሎሚ ኣብ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማም ትራኮማ ናብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ’ውን ከም ዝቕፅል ሓቢሮም ኣለው ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *