ኣብ ትግራይ ልዕሊ 200 ሽሕ ተመሃሮ ብሰንኪ ድርቂ ትምህርቶም ከቋርፁ ከምዝኽእሉ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣቃሊሑ።

ቢቢሲ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ንዝረኸቦ መረዳእታ ብምጥቃስ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ “ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ኣስታት 223 ሽሕ ተመሃሮ ትምህርቶም ንምቁራፅ ከምዝተቓረቡ ኣፍሊጡ።

ብድርቂ ኣብ ዝተሃስየ ከባቢታት ኣብ ዝርከባ 625 ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ ተምሃሮ ትምህርቶም ንኸየቋርፁ ናይ ምምጋብ መደብ ንምጅማር ኣስታት 365 ሚልዮን ብር ከምዘድሊ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ረኺበ’የ ዝበለ ቢቢሲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተዓፅየን ዝፀንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግማይ ናይ ምዕፃው ስግኣት ኣንፀላሊይወን ከምዘሎ’ውን ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣረዲኡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝርከቡን ካብዚኦም እቶም ንድርቂ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝርከቡ ተፈልዮም መፅናዕቲ ከምዝተገበረሎምን ብመሰረት እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ዝተኻየደ መፅናዕቲ ኣብ 36 ወረዳታት ዝርከባ 213 ጣብያታት “ብኸቢድ” ድርቂ ተሃስየን ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

ኣብዘን ከባቢታት ኣብ ዝርከባ 625 ኣብያተ ትምህርቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን 222,940 ተምሃሮ ተቐቢለን ይምህራ ከምዘለዋን ይኹን’ምበር እዞም ተመሃሮ “ብሰንኪ ሕፅረት መዓልታዊ መግቢ ብዝለዓለ መጠን ትምህርቶም ንምቁራፅ ተቓሪቦም ከምዘለው ንዝረኸቦ መረዳእታ ብምጥቃስ ቢቢሲ ፁብፂቡ።

ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ከይቦኽሩ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ስርዓት ምምጋብ ተማሃሮ ምጅማር እንኮ መፍትሒ ምዃኑን ንዚ መደብ ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምትግባር ድማ 365,175,720 ብር ከምዘድሊ ቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ነዚ ክውን ንምግባር ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ነቲ መደብ ንምጅማር ዘድሊ ገንዘብ ንምርካብ ካብ ፌደራል መንግስቲ ፣ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ደገፍ ክገብሩ ፃውዒት ከምዘቕረበ ቢቢሲ ገሊፁ።

ተመሃሮ ንምምጋብ ዝምደብ 365 ሚልዮን ብር ንመንግስቲ ፌደራል ንእሽተይ ገንዘብ እዩ። ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ክውሰኹ እንከለዉ ድማ [ንምእካቡ] ዝኸብድ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል ዝተፈላለዩ ወገናት ደገፍ ክገብሩ ትፅቢት ከምዝግበር ወሲኹ ኣብሪሁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *