ኣብ ትሸዓተ ወረዳታት ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ 238 መፋስሳት ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ሄክታር ንምዕቃብ ንዝተትሓዘ መደብ ንምትግባር ሎሚ ኣሃዱ ኢሉ ወፍሪ ጀሚሩ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣተሓባባሪ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣይተ ሃፍተስላሰ ኣሰፋ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።

ኣብቲ ንዕስራ መዓልታት ዝሳለጥ ወፍሪ ኣብ 11ሽሕን 233 ዕዮታት ጉጅለ ዝተወደበ ልዕሊ 130 ሽሕ ህዝቢ ክሳተፍ ትፅቢት ይግበር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *