ሰራዊት ኤርትራ ብሓይሊ ጎቢጡ ሒዝዎ ካብ ዘሎ ግዝኣታት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ክወፅእ ሕብረት ኣውሮፓ ሓቲቱ።
(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ሕብረት ኣውሮፓ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ክወፅእ ዝሓተተ ኮይኑ እቲ ሕብረት ምስ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብዝተኣሳሰር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ ሰራዊት ኤርትራ ብቀፃልነት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ይፍፅሞ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ናፃ ምርመራ ክካየድ ፀዊዑ እዩ ።
ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ መግለፂኡ ወሲኩ ከምዝበሎ ነፃ ምርመራ ምክያድ ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ኣብ እዋን ኲናት ዝተጎድኡ ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡ ዘኽእል እዩ ካብኡ ብዝሓለፈ እውን ተሓታትነት ዘረጋገፅ ምካኑ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን ኩናት ኮነ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምግፋዕን መሬቱ ብሓይሊ ሒዙ ተመዛባላይ ማሕበረሰብ ናብ መረበቱ ከይምለሰን መሰረተ ልምዓት ኣብ ምዕናውን እናሰረሐ ይርከብ ።
****************
ገ/ሄር ገዳሙ