26 ሓምለ 2015 ዓ.ም
በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ክብርታቱ ሓልዩ ከምዝኽበር ብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምግላፁ ስዒቡ፣ ነቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተታሒዙ ዝነበረ ምርኢት ሙዚቃ ብምንዋሕ እቲ በዓል ኣብ ትግራይ ምስ ህዝብና ክነኽብሮ ድሉዋት ኢና ኢሎም።
እቶም ከየንቲ ኣብቲ በዓል ብምስታፍ ሙሉእ ኣታዊኡ ንግዳያት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ክውዕል ንምስራሕ እውን ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ኣብ ቃልሲ ምስ ህዝብና ኣለና። ሐዚ’ውን ምስ ህዝብና ኣለና። ንቐፃሊ እውን ምስ ህዝብና ኣለና ዝበሉ እቶም ከየንቲ ኩሉ ግዘ ኣብ ጎኒ ህዝብና ኣለና ክብሉ ድማ ተዛሪቦም።
ይኹን እምበር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ውሱናት ሰባት ስምና ከጥፍኡ ተራእዮም ብምባል ፣እቲ ሓቂ ኣብ ትግራይ እቲ በዓል ከምዝኽበር ምስ ፈለጥና ብነፃ እውን ንምስራሕ ድሉዋት ምዃና እዩ ኣሎም።
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ብዝተፈጠረ ዘይምንባብ ስም ከየንትና ክጠፍእ ተራእዩ ብምባል እቲ ተግባር ግቡእ ከምዘይኮነ ገሊፁ እዩ።