ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዘሎ መጠነ ሰፊሕ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ይሰርሕ’ለኹ፡፡”-ዉድብ ምግብን ሕርሻን ዓለም (FAO)

ዕስለ ኣንበጣ ብክራማት ተሓጊዙ ብዝያዳ ይራባሕን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይሰጋገርን ምስ ምህላዉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ናይ ሕርሻ መሬት፣ ኣብ ዘራእቲን ኣብ መጋሃጫን ብዘውረዶ ሃስያ፣ ሓረስቶትን ጥሪቶም ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዘሎ መጠነ ሰፊሕ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ይሰርሕ ከምዘሎ-ዉድብ ምግብን ሕርሻን ዓለም (FAO) ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፀረ ኣንበጣ መድሃኒት ናይ ምንፃግ መስርሕ ይካየድ እኳ እንተሎ – እዚ ኣብ ታሪኽ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ብዝርጋሐኡን ብዝሑን ፍሉይ ምዃኑ ዝግለፅ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተርኣየን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ከቢድ ናይ መግቢ ቅልውላው ክፈጥር ከምዝኽእል ሓቢሩ፡፡


0