ኣብ ቀረባ እዋን ጉቡኦም ዝፈፀሙ ጀጋኑን ብኽብሪ ዝተሰናበቱ ሓርበኛታት ተጋደልትን ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ 100 ጀጋኑ ተመለስቲ ሰሪሖም ዝበልዑሉን ዝልወጡሉን መስርሒ ንግዲ ቦታ ብዕፃ ከምዘከፋፈለ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣይተ መንበሩ ንጉስ ከምዝገለፅዎ እቶም 100 ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዘለውን ኣካላዊ ሃስያ ዝበፅሖምን ሓርበኛታት ተመለስቲ ተጋደልቲ ካብ 7ኤን ክፍለከተማታት ከተማ መቐለ ንዝተውፃእፅኡ መስርሒ ቦታ ሎሚ ብዕፃ ከምዝተኸፋፈሉ ኣረዲኦም።

ንቶም ዝተረፉ ጉቡኦም ዝፈፀሙ ተመለስቲ ሓርበኛታት’ውን ሰሪሖም ዝበልዑሉ መስርሒ ቦታ ናይ ምሃብ መስርሕ ቀፃሊ ምዃኑ ወሲኾም ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *