ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግራይ ንዝኣትዋ 500 ትራክተር ብቐጥታ ናብ ስራሕቲ ሕርሻ ንኽኣትዋ ዘኽእል መስርሕን ቅድመ ምድላውን ከምዝተወገነ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ሎሚ ከምዝገለፅዎ ቅድም ክብል ካብ ክልል ኦሮምያ ዝተለገሳ ትራክተራት ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ዘበርክተኦ ዘለዋ ውፅኢት ብጣዕሚ ዝነኣድዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ክልልና ንዝኣትዋ 500 ትራክተራት ብቑልጡፍ ናብ ተግባር ንምእታው ዘኽእል ኣወዳድባን ምፅፋፍ ምዝገባን ከምዝተወገነ ገሊፆም።

ብጭዃሮን ዛባን ብጉልበት ሰብ ዝዝራእ ንኽልተ ሰብ ፣ ብብዕራይ ዝሕረስን ዝርከብን ፍርያት ን5 ሰብ ብትራክተር ተሓሪሱ ዝርከብ ፍርያት ግን ን40 ሰባት ከምዘፅግብ ብሳይነሳዊ መፅናዕቲ ተረጋጊፁ’ዩ ዝበሉ ዶ/ር እያሱ በዚ ሩቡሕ ውፅኢት ሓረስቶት ትግራይ ተራባሕቲ ንምግባር እተን ኣብ ቀረባ እዋን ዝኣትዋ 500 ትራክተራት ልዑል ረብሓ ከምዘለወን ዶ/ር እያሱ ወሲኾም ሓቢሮም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ዝሃብዎ ዝርዝር መብርሂ እንሆ!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *