ኣብ ሸውዓተ ሕጉም ቤት ትምህርትን ቤተመዘክርን ክህነፅ”ዩ።

17 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ንመቐይሮ ፖለቲካዊ ህላወ ተጋሩ ዘበረኸትን ልዑል ወተሃደራዊ ዓወት ተጋሩ ኣብ ዝተሓፈሰላን ሸውዓተ ሕጉም ቤት ትምህርትን ቤተመዘክርን ንምህናፅ ሎሚ እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ።

እዚ ሎሚ እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ ዘሎ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ብምትሕብባር ትካል ዮኤን ኦፕስን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን’ዩ ክህነፅ።

ነቲ እምነ ሰረት ዘንበሩ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወትን ተወካሊ ትካል ዮኤን ኦፕስ /UNOPS/ ኣይተ ሚኬአለ ሓዱሽ ኮይኖም ህንፀት እዞም ትካላት ክቀላጠፍ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣድላይ ድጋፍ ከምዝገብር ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *