ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሱዳን ካርቱም ዝተደኮነ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብከቢድ ብረት ተደብዲቡ።

እቲ ትማሊ ንግሆ ሰሉስ 22 መስከረም 2016 ዓ.ም.ኣብ ልዕሊ እቲ ኢምባሲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣብ ህንፃን ንብረትን እቲ ኤምባሲ ጉድኣት ከም ዝበፅሖ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ንምንጭታት ዲፕሎማት ብምጥቃስ ኣፍሊጡ።

ኣንፃር ጀነራል ኣልቡርሃን ሻምብቆ ብረቶም ዝመዘዙ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄመቲ) ትማሊ ንጉሆ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ከምዝተፈፀመ ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብ ዝዘርግሕዎ ፅሑፍ ኣፍሊጦም።

ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ነቲ መጥቃዕቲ ከማዘካየዶ ዝኸሰሱ እቶም ሓይልታት ሄሜቲ “ኣብ ልዕሊ’ቲ ህንፃ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱዎ” ብምባል ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኖሞ ኣለዉ።

ኣብ ኤምባሲታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሩስያን ደቡብ ኣፍሪቃን እውን ትማሊ ንግሆ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ’ዩ ከምፀብፃብ ቢቢሲ።

እቲ መጥቃዕቲ ንምንታይ ከም ዝተፈፀመ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ሓይልታት ጀነራል

ኣልቡርሃን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዛጊድ ዝበልዎ ነገር የለን።

# ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *