ኣብ ምርመራን ክትትልን ዓለምለኻዊ ገበናት ዝጠመተ ስልጠና ንሰብ ሞያ ሕጊ ይወሃብ ኣሎ።

እዚ ብ ዓቀብቲ ሕጊ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ከተማ መቐለ ንዓቀብቲ ሕጊ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ፣ኣብ ምርመራ፣ ክትትልን ኣመሰራርታ ክሲ ዓለምለኻዊ ገበናትን መሰረት ተገይሩ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና እዩ።

ዳይሬክተር ዓቀብቲ ሕጊ ንሰብኣዊ መሰላት (Lawyers for Human Rights) ኣይተ ኣመሃ መኮነን፣ እቲ ስልጠና ኣብ ምምርማር ገበን ንዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ እውን ከምዝወሃብ ኣመላኺቶም።

ስልጠና ይህቡ ዘለው ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ገብረመስቀል ሃይሉ ፣ዝተፈፀሙ ዓለምለኻውያን ገበናት ብዓይኒ ዓለምለኻዊን ዘቤታዊን ሕግታት ከመይ ይረኣን እንታይ ክግበር ኣለዎን ኣብ ዝብል ገለፃ ይገብሩ ኣለው ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *