ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ 60 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ስደተኛታት ፅዒና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት ካብ ጎማ ዝተሰርሐት ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምጥሓል ብውሑድ 60 ሰባት ከምዝሞቱ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ መሰኻኽር ገሊፆም፡፡

እቶም 25 ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ዋንነታ ናይ ‘ኤስ-ኦኤ-ስ መደተራንያን’ ዝተባህለ ገባር-ሰናይ ማሕበር ብዝኾነት ‘ኦሽን ቫይኪንግ’ ዝተባህለት መርከብ እዮም ካብቲ ባሕሪ ድሒኖም፡፡

እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ምስታ መርከብ ምርኻቦም ቅድሚ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ካብ እትርከብ ደሴት ዛውያ ከምዝተበገሱ ነቶም ዘድሓንዎም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም፡፡

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሞተር ናይታ ጀልባ ብምብልሻዉ ብዘይ ምግብን ማይን ተነሳፊፋ ክትቅኒ ተገዲዳ’ላ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡

እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ መሰኻኽር ከምዝሓበርዎ እቶም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ብውሑድ ሓደ ህፃንን ዝርከቡዎም እዮም፡፡

ኤስ-ኦ-ኤስ ማእከላይ ባሕሪ ኣባላት ናይታ ኦሽን ቫይኪንግ ዝተባህለት መርከብ ነታ ጀልባ ብረቡዕ ኣቕሪቡ ብዘርእይ መነፀር ከምዝረኣይዋን ምስ ሓለውቲ ባሕሪ ኢጣልያ ብምትሕብባር ንሕክምና ከምዘግዓዝዎምን ገሊፁ።

እቶም ብህይወት ዝተረኸቡ ስደተኛታት ‘‘ኣብ ድኹም ኩነታት ጥዕና’’ ከምዝነበሩን ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎን’ውን እቲ ትካል ገሊፁ፡፡

ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ኣብ ከቢድ ፀገም ጥዕና ዝነበሩ ክልተ ስደተኛታት ድማ ንዝሐሸ ሕክምና ናብ ሲሲሊ ከምዝተወሰዱ ቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ኣብ ዝርከቡ ናይ ስደት መንገዲታት ብውሑድ 8 ሽሕን 565 ስደተኛታት ሞይቶም፡፡

እዚ ቁፅሪ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ20 ምኢታዊ ከምዝወሰኸ እዩ እቲ ትካል ዝገልፅ፡፡

ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራፅ ዝግበር ጉዕዞ ሕዚ እውን እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ መንገዲ ኮይኑ ቀፂሉ ከምዘሎ ዝገልፁ ፀብፃብ ትካል IOM ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ. ጥራሕ ብውሑድ 3 ሽሕን 129 ስደተኛታት ከምዝሞቱን ሃለዋቶም ከምዝጠፍኡን ኣመልኪቱ፡፡ እዚ ቁጽሪ ካብ 2017 ዓ.ም.ፈ.ንደሓር እቲ ዝለዓለ’ዩ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *