ኣብ ማሊ 134 ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኖም ተባሪሮም፡፡

ፕረዝደንት ማሊ ኢብራሂም ቦብከር ኪታ ኣብ ክልል ሞናቲ ኣብ ዝርከቡ ዓሌት ፋላኒ ድሕሪ ዝተፈፀመ 134 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ንኣዛዚ ሰራዊትን ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን እታ ሃገር ካብ መዝነቶም ኣባሪሮም፡፡

ኣብ ማሊ ዕጡቓት ብቐዳም ኣብ ሓደ ቑሸት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ኣስካሕኻሒ ተግባራት ተፈፂሞም እዮም፡፡

መንግስቲ እቲ መጥቃዕቲ ብምልሻታት ዳንና ኣባስጉ ከምዝፈፀመ ይገልፅ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0