— ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካብኔ ስክሬተርያት ፀጥታን ሰላምን ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ )
ካብ መግለፂ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ዝተወሰደ ነጥብታት:—
★ሰራዊት ትግራይ ብልሒ ጫፍ መኸተ ህዝቢ ትግራይ እዩ ።
★ ሰራዊት ትግራይ መእንቲ ህልውናን ደሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ።
★ መርድእ ጀጋኑ ስውኣትና ነፍሲ ወከፍ ስድራታት ክርዳእን፣ነፍሲ ወከፍ ስድራ በቢኣድራሻኡ ሰርትፊኬት፣ጀግንነቶም ዝገልፅ ደብዳበ ናብ ሕድሕድ ስድራ ክበፅሕ ክግበር እዩ።
★ ወለዲ ዳሃይ ደቆም ንምሕታት ክንገላትዑ ኣይግባእን፣ንሕና ኢና ናብ ወለዲ ከይድና ዳሃይ ደቆም ነፍልጦም።
★ እቲ መርድእ ኣብ ጣቢያን ቁሸትን እዩ ዝግበር።
★ መርድእ እናካይዶ ዘለና ንመርድእ ኣብ ዘይጥዕም ኩነታት ኮይንና ኢና።
★ እቲ መርሀ ግብሪ መርድእ ናይ 12 ክፍሊ ፈተና ምስተዛዘመ ከምዝጅምር ተገሊፁ።
★ ድሕሪ ምርዳእ ናይ ሰልስተ መዓልቲ ብሄራዊ ሓዘን ክእውጅ እዩ።ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዝሃለወ ይሃልው ናይ ጀጋኑ ስውኣትና ጀግንነት ክዝከርን ክኽበርን እዩ
★ ኣብ ብሄራዊ ሓዘን ኣዋጅ ዝገበሩን ዘይግበሩን መምርሒታት ሕጊ ወፂኡ ክእወጅ እዩ።
★ ናይ ሕልና ፀሎት መርህ ግብሪ ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ክሳለጥ እዩ
★ ዝተፈላለዩ ደላላታት ብስውኣትና ዝሽቅጡ ኣለዎ እዮም።
★ኣዕፅምቲ ስውኣት ካብ ዝዓረፍሉ ከባቢ ምልዓል ብሕጊ ዝተኸልከለ እዩ።
★ እዚ መርድእ ንተመዛበልቲ ወገናት ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘሎ ከባቢታት መርድእ ክግበር ምኻኑ ተገሊፁ እዩ ።
★ እቲ በቢከባቢኡ ዝግበር ዘሎ መርድእ ግምታዊ፣ንናይ ሰማእታት ክብሪ ዘይምጥን ስለዝኾነ ህዝብና ዕላዊ መርድእ ክፅበይ ተላብዮም።
★ ነዚ ናይ መርድእ ዝርዝር ኣፈፃፅማ በሚድያታት ከምዝግለፅ ድማ ሓቢሮምʼለው ከም ፀብፃብ ድወት።