” ኣብ ሕሉፍ ዕጥቃዊ ቃልስ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ቁሉዕ ወራር ኣብ ምምካት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዑዙዝ ግደ ከምዝነበሮን ንህዝቢ ትግራይ ካብ ሙሉእ ፅንተት ኣድሒነን’የን።” -ምክትል ፕረዝደንትን ጀነራል ታደሰ ወረደ።

ሐዚ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ ማርች 8 ናይቲ መድረኽ ዕዱም ጋሻ ኮይኖም ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዝደንትን ሓላፊ ካብኔ ሰክሬተርያት ሰላምን ፀጥታን ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝገለፅዎ ኣብ ሕሉፍ ዕጥቃዊ ቃልሲ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ቁሉዕ ወራር ኣብ ምምካት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዑዙዝ ግደ ከምዝነበሮን ንህዝቢ ትግራይ ካብ ሙሉእ ፅንተት ኣድሒነን’የን ኢሎም።

ነባር ተጋዳሊት ወ/ሮ ሮማን ገ/ስላሴ ብወገነን

እነካይዶ ዘለና ሰላማውን ፍትሓውን ልዝብ ናይ መወዳእታ መፍትሒ ክረክብን መፃኢ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክረጋግፅን ድማ ነቲ ዘለናሉ ፖለቲካዊ መድረኽ ዝምጥን ሓበራዊ ኣተሓሳስባ ክህሉ ይግባእ ኢለን።

መዓልቲ ደቂ ኣንስቲዮ ማርች 8 እንትነኽብር ኣብ ቐፃሊ ብነካይዶ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ልዝብ ፀገማትና ከም ዝፍትሑ ብምእማን እዩ- ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስቲዮ ወ/ሮ ፍረወይኒ ገ/ሔር

መዓልቲ ደቂ ኣንስቲዮ ማርች እንትነኽብር ኣብ ቐፃሊ ብነካይዶ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ልዝብ ፀገማትና ከም ዝፍትሑ ብምእማን እዩ ክብላ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስቲዮ ወ/ሮ ፍረወይኒ ገ/ሔር ገሊፀን ፡ ምስዚ ተዛሚዱ ድማ ደቂ ኣነስትዮ ዘለወን ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልዉላው ንምፍታሕ እቲ ቢሮ ይሰርሕ ከም ዘሎ ተዛሪበን ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *