“ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘሎ ወተሃደራዊ ምቅይያርን ኣሰላልፋን ናብ ኲናት ዝእንፍት’ዩ፡፡”-ቢቢሲ

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘሎ ወተሃደራዊ ምቅይያርን ኣሰላልፋን ናብ ኲናት ዝእንፍት ከምዝኾነ ሽሞም ኽዕቀበሎም ዝሓረዩ ገዳይም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም።
እቶም ሽሞም ኽፅራሕ ዘይደልዩ ገዳይም ወተሃደራዊ ኪኢላታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ኣብ ዉሽጢ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኣብ ኣመራርሓ ዝፀንሑ ዝበዝሑ ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞን ትግራይን ነባራት ወተሃደራዊ መኮንናትን ዝርከብዎም ብዝተፈላለዩ ምስምስ ይባረሩ ከምዘለዉን ቀንዲ ሓላፍን ምክትል ኣዛዝን ሰሜን እዚ ዝነበሩ ብጉልባብ ጥሮታን ናይ ምደባ ለውጥን ካብ ቦቶኦም ናይ ምልዓሎም ሚስጢር ከኣ ከም ሓደን ዓብይን መረዳእታ ብምጥቃስ ኣረዲኦም።
እቶም ኣብ መግለፂ መንግስቲ ክልል ትግራይ ርእይቶኦም ክህቡ ዝተሓተቱ ነባራት ወተሃደራዊ ኪኢላታት ኣብቲ ናይ መንነነት ሕቶ ዝለዓለሉ ከባቢ ወልቃይት ዝሕቆፍ ‘ሰሜን ምዕራብ’ ዝተሰምየ ሓድሽ ወተሃደራዊ እዚ ብምጥያስ ክልል ትግራይ ምስ ሱዳን ዘራኽባ ዶብ ንምዕፃውን ምስ ሓይልታት ደገ ቀጥታዊ ርክብ ንኸይግበር ዘተግብር ከምዝነበረ ወተሃደራዊ ገምጋሞም ድሕሪ ምቕምጥ ናይ ጊዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ድሕሪ ሕዚ ብሰላምን ብዘተን ዝፍታሕ ነገር የለን ክብሉ ልዑል ተኽእሎ ምዉላዕ ኵናት ከምዘሎ ሓቢሮም።
መንግስቲ ክልል ትግራይ “ዕምሪ ስልጣኑ ዘኽተመ ዘይሕጋዊ ጉጅለ – ዳግማይ ምውድዳብ ብዝብል ሽፋን ንህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ይሰርሕ ከምዘሎ ፤ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ተሻሪኹ ደም ከፋስስና ብመደብ ይንቀሳቐስ ኣሎ” ክብል ኣቐዲሙ መግለፂ ምዉፅኡ ዝዝከር’ዩ፡፡


0