ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ትግራይ ውሕስና ምግቢ ከተማታት ንምጅማር ምሉኡ ምድላዋት ከምዝዛመ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ገሊፁ።

ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ክዋሃብ ዝፀንሐ ውሕስነት ምግቢ ከተማታት ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተታዊ ኩናት ን ሰለስተ ዓመታት ተቋሪፁ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ እዋን ብዕሊ ንምጅማር ቢሮ ልምዓት ከተማ ኮንስትራክሽንን ምድላዋቱ ኣፃፊፉ ከምዘሎ እቲ ቢሮ ምስ እተን በቲ መደብ ዝጥርነፋ ከተማታት ከንቲባ ብምኻን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሓቢሩ።

እዚ መደብ ንምጅማር ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ስትሪም ኮሜቴ ብምጥያሽ ትልሚ በምሕንፃፅ ተጠቀምቲ ኣካላት ክምልምሉን ስልጠናታት ክውሃብን ከም ዝፀንሐ ድማ ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን ወ/ሮ ኣልማዝ ገ/ፃዲቕ ገሊፀን።

እዚ መደብ ንምዕዋት ትግራይ ካብ ዝተመደበ 552 ሚልየን ብር 285 ሚልየን ብር ከምዝኣተወ ዝገለፃ ወ/ ሮ ኣልማዝ ናብ ተጠቀምቲ ብቀጥታ ክባፃሕ ከምዝግበር ገሊፀን’ለዋ ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *