ኣብ ልዕሊ ደቒ ኣንስትዮ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዓመፅ ሐዚ እውን ደው ኣየበለን ።

04 መስከረም 2016 ዓ/ም

ጋዜጣ ለሞንዴ

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ኣብ ፈረንሳይ ዝመደብሩ ጋዜጣ ለሞንዴ ከምዝፀብፀቦ ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ብውሕዱ 120 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ብሰራዊት ኤርትራ፣ ወተሃደራት ኢ/ያን ዑጡቓት ክልል ኣምሓራን ከምዝተዓመፃ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝገለፀ ዝሓበረ እንትኮውን ድሕሪ ስምምዕ ሰላም እውን እንተኾነ ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ደቒ ኣንስትዮ ትግራይ ዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ ተጠናኪሩ ይቕፅል ከምዘሎን ደው ከምዘይበለን ገሊፁ እዩ ።

ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብ 5 መስከረም ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ከምዝበሎ ዋላ’ኳ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት እንተተፈረመ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ትግራይ ዝፍፅም ዘሎ ግፍዒታት ደው ከምዘየበሉን ብፍላይ ድማ መቐፀልታ ዝካየድ ዘሎ ወፈሪ ምፅናት ድማ ብውሕዱ 120 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ግዳይ ዓመፅ ከምዝኾና ሰብ መዚ ጥዕና ክልል ትግራይ ሓቢሮም እዮም ክብል ጋዜጣ ለሞንዴ ኣረዲኡ።

ካብዚ ሓሊፉ እውን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ከቢድ ዕንወት ብምፍፃም ሰፍ ዘይብል በደል ምክያዱ ጋዜጣ ለሞንዴ ድሕሪ ምሕባሩ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብጉጅለ ዝተፈፀመ ጀምላዊ ዓመፅ ድማ ምስ ፃታዊ ባርነት ከምዝመጣጠን ንፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ተወኪሱ ገሊፁ እዩ ።

*********

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *