ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ንክቅፅል ዘተባብዕ ውሳነ ።

ዕድመ ስልጣን መርማሪ ጉጅለ ክኢላታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መፃኢ ሰሙን ከብቅዕ ምዃኑ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልፁ ኣለዉ።

########################

(104 4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣዉሮፓ እቲ መርማሪ ጉጅለ እቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ተፈፂሞም ዝብሃሉ ገበናት ኲናትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምፅራይ ዝተዋህቦ ዕድመ ሰልጣን ንክናዋሕ ዝቐረበ ሓሳብ ከምዘትተቀበለኦን እተን ኣባል ሃገራት ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንዓለማዊ ጉጅለ መርመራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ይገብሩዎ ካብ ዝነበረ ቀፃሊ ደገፍ ንድሕሪት ከም ዘንስሓቡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

ኲናት ትግራይ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራፅ ተፃብኦታት ብወግዒ እኳ ደው እንተበለ እቲ ኮሚሽን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ ኣብታ ሃገር ከበድቲ ግፍዕታት ሰብኣዊ መሰላት ሕዚ’ውን ይቕፅሉ ከምዘለዉ ገበን ዘርኢ ምፅናት ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ይፈፀሙ ከምዘለዉ ዝሓበረ ኮይኑእቲ መርማሪ ኮሚሽን ኵሎም ናብዞም ገበናት እዚኦም ከምርሑ ዝኽእሉ ኵነታት ኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ከም ዘለዉ ብምግላፅ ካብዚኦም ቀፃልነት ዘለዎም ከበድቲ ግህሰት መሰላት ሰፊሕ መጥቃዕቲ፣ ዘይምርግጋእን ተሓታትነት ዘይምህላውን ክጥቀሱ ዝኽእሉ ስግኣታት እዮም ኢሉ።

በዚ መሰረት ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መርማሪ ጉጅለ ስልጣኑ ከይሕደስ ዝወሰዶ ውሳነ ዘሕፍር አዩ ክብል ተቓውምኡ ዘሰመዐ እንትኮውን ዳይረክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ቲራና ሓሰን ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኮሚሽን ክኢላታት ብዘይምሕዳስ ኣህጉራዊ ምፅራይ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍፀም ከቢድ ግህሰት ዝነበሮም ሓላፍነት ገዲፎምዎ ኣለው።

####################

104 4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

See insights and ads

Boost post

All reactions:

2525

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *