ኣብ ሊብያ ሎሚ ኣመስዩ ሓያል ማዕበላዊ ዘስዓቦ ዕልቕልቕን ቡርቱዕ ዉሕጅን ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ኣሰሮም ተሳኢኑ።

01/01/ 2016 ዓ/ም

ኣብ ሃገረ ሊብያ ‘ዳናኤል’ ዝብል ሽም ዝተውሃቦ ሓያል ማያዊ ዕልቕለቕን ውሑጅን ዘሰጎመ ማዕበል ህይወት ኣስታት 10,000 ሰባት ሃለዋቶም ክሰኣን ከሎ ሓያሎ ከተማታት ሃገረ ሊብያ ድማ ከቢድ ሃስያ በፂሑወን ኣሎ።

ዛጊድ ካብ ሞንጎ በቲ ማዕበላዊ ዕልቕልቕ ግዳይ ኮይነን ዘለዋ ከተማታት ቤንጋዚ፣ አል ባይዳ፣ አል ማርጅን ደርናን ዝተብሃላ ከምዘኸናኘን ከቢድ ሃስያ በፂሕወን ከምዘሎን ተፈሊጡ።

እቲ ሓያል ማዕበላዊ ዕልቕልቕ ማይ ዳርና ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ክልተ ግድብ ማይን 4 ዓበይቲ ድልድልን ምፍራሱ ስዒቡ ኣፍቲ ማዕበላዊ ዕልቕልቕ ማይ ተወሳኺ ፀገም ብምፍጣሩ ኣሰር 10,000 ዜጋታት እታ ሃገር ክርከብ ኣይከኣለን።

ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 2,000 ዜጋታት እታ ሃገር ሬስኦም ክምዝተረኸበን ኣለሻ ኣስክሬን ሐዝውን ይቕፅል ከምዘሎ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

#ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *