ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሑቡራት ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳዳር ማይክ ሃመርን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሑቡራት ኣመሪካን ምስ ዝኾኑ ኣምባሳደር ማዲንጋን ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዕላዊ ገፅ ቲዊተሮም ኣብ ዝዘርግሕዎ ፅሑፍ ከምዝሓበርዎ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ ፤ ኣብ ምድንጓያት ትግባረ ውዕል ፕሪቶርያን ሳዕቤኑን ኣድሂቦም ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሑቡራት ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳዳር ማይክ ሃመርን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሑቡራት ኣመሪካን ምስ ዝኾኑ ኣምባሳደር ማዲንጋን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ብዕምቆት ከምዝዘተዩ ኣፍሊጦም።

ኣፍቲ ዝተኻየደ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ኣብ ዝትግበረሉ ኣገባብን ኣብ ትግራይን ንዘሎ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዕሙቆቱን ከምዝዘተይሉን ብፍላይ ኣብ ኩነታት ትግራይን ካልእን ኣድሂቦም ሰፋሕቲ ዛዕባታት ኣልዒሎም ከምዝዘተዩ ሓቢሮም።

ጉዳይ ሙሉእነት ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ጊዜ ዘይህብ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ልዑል ኣቓልቦ ክረክብን ከምዝግባእ፣ ኣብ መስርሕ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያሽን እውን ካብ ሞንጎ ዝተልዓለ ጉዳያት ሙዃኖም ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ገፅ ትዊተሮም ወሲኾም ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *