ኣብ ሃገረ ጁቡቲ ሎሚ ቕነ ብዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ስዒቡ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ድልድል ብምድርማሱ ሕፅረት ቀረብ ነዳዲ ብደረጃ ሃገር ከምዘጋጠመ ኩባንያ ቀረብ ነዳዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሃገረ ጁቡቲ ሎሚ ቕነ ብዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ድልድል ብምድርማሱ ካብ ሃገረ ጁቡቲ ዝኣትው ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ሃፍተ ፀጋ ሰደድን ኣታዉን ደው ካብ ዝብል መዓልትታት ከምዘቑፀረ ዝሓበረ ኩባንያ ቀረብ ነዳዲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እዚ ተፈጥራዊ ሓደጋ ኣብ ቀረብ ነዳዲ’ውን ሕፅረት ከምዘጋጠመ ኣረዲኡ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ብውሑጅ ዝተጀርመሰ ድልድል ካልእ ነዳዲ ዝፀዓነት ተስሓቢት ብምግልባጣን ንቲ ፅርግያ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕፃዋን ስዒቡ ንኻልኦት ተሽከርከርቲ ዓፅያ ከምዝቐነየት ዝሓበረ እቲ ኩባንያ ዘሎ ሕፅረት ቀረብ ነዳዲ ንምፍታሕ ነዳዲ ዝፀዓና ጀላቡ ብምጥቃም ብኣንፈት ድሬዳዋ ምእታው እኳ እንተተጀመረ ንቲ ዘሎ ጠለብ ምስ ቀረብ ክጠዓዓም ከምዘይተኽኣለ ሓቢሩ።

ሎሚ 24 መጋቢት 2016ን ፅባሕን ተወሳኽቲ ነዳዲ ዝፀዓና ጀላቡ ስለዝኣትዋ እቲ ዘሎ ፀገም ከምዝፍታሕ ድማ ኣፍሊጡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *