ኣብሃገረ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ኣብ ዝተሰላሰለ መበል 19 ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለምና ውፅኢት ንዘመዝገቡ ኣትሌታት ትማሊ ምሸት ስነስርዓት መደብ ምሃብ ኣፍልጦን ሽልማትገንዘብን ተኻይዱ። admin September 1, 2023 ብመሰረት እዚ ወርቂ ንዘምፅኡ አትሌታት 60,000 ብር፣ ብሩር ንዘምፅኡ 40,000 ብር፣ ንሓስ ንዘምፅኡ ድማ 30,000 ብር ተሸሊሞም። አትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብቲ ስነስርዓት ሽልማት ኣብ ዘስመዐቶ ዘረባ ናይ’ዚ ኹሉ ዓወት ውፅኢት ግደ ኣሰልጠንቲ ልዑል ምንባሩ ገሊፃ። admin
“ኣብ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ልዕሊ 13 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝተዘርኡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘራእቲ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ይርከቡ።” – ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ።
ጉዱሳት ኣባላት ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ጨንፈር ሃገረ እንግሊዝ ብልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ብር ወፃኢ ብሰንኪ ቁሉዕ ወራር ንዝተሃሰዩ ናውቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ከተማ ዓዲግራት ፀጊኖም።
13 መስከረም 2016 ዓ/ም ብመሰረት ዝካየድ ዋኒናት ፅገና ካብ ንጉሆ 12 :00 ሰዓት ጀሚሩ ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 6:00 አገልግሎት መብራህቲ ኣብ ትግራይ ከም ዝቋረፅ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ።