ኣባላት ፀጥታ ካብ ወርሓዊ ራሽኖም ነክዮም ንዝተመዛበሉ ወገናትና መዉዓሊ ኣዉደኣመት ሓገዝ ኣበርኪቶም።

16 መስከረም 2016 ዓ/ም

ኣብ ዞባ ደቡብ ፣ ደቡብ ምብራቕን ከባቢ መቐለን ዝርከቡ ኣባላት ፀጥታ ካብ ቀለቦም ብምንካይ ኣብ የጭላ፣ መኾንን መቐለን ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ፊኖ ፣ ዘይቲ ብልዕን ከምኡ’ዉናዉቲ ትምህርቲ ብምዕዳግ ንመዉዓሊ ኣዉደኣመት ኣካፊሎም።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሰለስተ ጊዝያዊ መዕቆቢ ንዝርከቡ ጥራይ 700 ኩንታል ፊኖ 4,000 ሊትሮ ዘይትን 2,000 ደፍተርን ብሓገዝ ምስ ኣካፈሉ ተጋዳላይ ጀነራል ዮሃንስ ወለጀወርግስ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኩሉኹም ተመዛበልቲ ብዙሕ ፀገም ተፃዊርኩም ብፅንዓት እተሕለፍዎ ዘለኹም ፀገም ኩሉና ይርደአና’ዩ ድሕሪ ምባሎም ናብ መረበትኩም ንምምላስ ብዙሕ ስራሕ ይስራሕ’ሎ። ግድን ክኣ ክዉን ክኸዉን’ዩ ኢሎም።

ተመዛበልቲ ብወገኖም፣ ኣባላት ፀጥታ ካብ ወርሓዊ ራሽኑ ነክዩ ንመዉዓሊ ኣዉደኣመት ሓገዝ ምብርካቱ ዝነኣድን ዝምስገንን ሰናይ ተግባር’ዩ ድሕሪ ምባል ኩሉ ዝምልክቶ ኣካል ህዝቢ ናብ ቤት መረበቱ ንኸምለስ ኣጠናኺሮም ንኽሰርሑ ተማሕፂኖም።

# ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *