ኣባላት ኤርትራዉያን ኮሚኒቲ ኣብ ከተማ መቐለ ንሓገዛዊ መኸተ ዕስለ ኣንበጣ ንራያ ወሪዶም፡፡

ኤርትራዉያን ኮሚኒቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዞባ ደቡብ ንዝተርኣየ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕ መኸተ እጃሞም ንምብርካት ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ሎሚ ረፋድ ኣትዮም፡፡ኣተሓባባሪ ኮሚኒቲ ኤርትራዉያን ኣብ ከተማ መቐለ መንእሰይ ዘርኣይ ደረስ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝሃቦ ቃል ከምዝገለፆ 65 ኣባላት እታ ኮሚኒቲ ንኣባላታ ወፃኢኣ ብምሽፋን ንመኸተ ዕስለ ኣንበጣ ዘድልዩ ናዉቲ ብምሓዝ ብጉልበቶም ሓገዞም ከበርክቱ ሎሚ ረፋድ ናብ ዞባ ደቡብ ብምዉራድ ብግብሪ ናብ ወፍሪ ምክልኻል ምሕጋዝ ኣትዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments