ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ግንባር ምዕራብ ካብ ራሽኖም ብምንካይ ልዕሊ 4.8 ሚልየን ብር ብጥምየት ንዝተጠቕዑ ወገናት ሓጊዞም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርኽኻብ ሓገዝ ዝተረኸቡ ካብ ኣባላት ላዕላዋይ ኣመራርሓ ግንባር ምዕራብ ዝኾኑ ተጋዳላይ ነጋሽ ሕሉፍ፤ ተጋዳላይ ትግራይ ብልሒ ጫፍ ናይቲ ህዝቢ ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ልዓት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ተቓሊሶም ኣብዚ ብርኪ ክንበፅሕ ክኢልና ኢና ኢሎም ።

ህዝቢ ትግራይ ተሸኪሙ እዩ ኣብዙይ ብርኪ ኣብፂሕና ዝበሉ ተጋዳላይ ነጋሽ ሕሉፍ ነዚ ክቡር ህዝቢ ኩሉ ነገርና ምሃብ ጉቡእና እዩ ዝበሉ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ እዚ ናይ ሎሚ ወፈያ ድማ ነዚ ተግባሮም ዘጠናኽር ምዃኑ ገሊፆም።

ዛጊድ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ 179 ሚልየን ብር ዘተኣኸኸበ እንትኾን ብብር 127 ሚልየን ወፃኢ ብምግባር 48 ሽሕ ኩንታል እኽሊ ኣብ 32 ወረዳታት ትግራይ ብጥምየት ንዝተጠቕዑ 320 ሽሕ ወገናት ከምዝተኸፋፈለ ድማ ኣባል ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዶ/ር ገብረሂወት ገ/እግዚኣብሄር ኣብ ስነ ስርዓት ርኽኽብ ሓገዝ ዕላዊ ገይሮም።

ኣባል እቲ ሓይሊ ዕማም ተጋዳላይ ጠርጣራው ስቡሕ ብወገኑ ካብቲ እኹል ራሽንን በጀትን ዘይብሉ ነክዩ ምእንተ ህዝቡ ዋጋ ዝኸፈለ ሰራዊት ዝገበሮ ሓገዝ ዝፈጠሮ ስምዒት ዓሚቕን ዘደንቕ እዩ ዝበለ እንትኾን ዓብይ ምስጋና ንሓይልታት ፀጥታ ግምባር ምዕራብ ይግባእ ክብል ገሊፁ።

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ግንባር ምዕራብ ካብ ራሽኖም ብምንካይ ዘዋፅኡዎ ሓገዝ ሓይሊ ዕማም ኮሜቴ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ከምዝተረከበ ድወት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *