ኣቀባብላ ዝተሰነዩ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ወረዳ ኦፍላ ።

21 ሓምለ 2015 ዓ.ም

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) እቶም ብኽብሪ ዝተመለሱ ሓርበኛታት ብሰንኪ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተኸተመ ውዕሊ ሰላም መሊኡ ተግባራዊ ዘይምዃኑ ከባቢኦም ብወረርቲ ሓይልታት ተታሒዙ ብምህላው ተመዛበልቲ ስድኦም ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ወፂኦም ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱ ምስ ህዝብና ኣብ መረበትና ክንራኸብ ኣይከኣልናን ዝበሉ እቶም ተመለስቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ግዳይ መስዋእትን መቑሰልትን ኮይንና ዘረጋግፅናዮ ሰላም ብምኽንያት ዝሕቱል ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ መዕቖቢ ምስ ዘሎ ስድራና ክነኽብር ተገዲድና ኣለና ኢሎም።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኦፍላ ኣይተ የማነ ክፍለማርያም እዚ ሰነ-ስርዓት ምስቲ ለባም ህዝብና ኣብ መረበቱ ኮይኑ ተነኽብሮ ልዑል ድምቀት ምፈጠረ ነይሩ ድሕሪ ምባል በቲ ሐዚ ዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ ህዝብናን መረበትናን ሓራ ከም ዝወፅእ ንፃኣት ውን ኣይንጠራጠርን ኢሉ።

እንተኾነ ሕዝውን ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ነቲ ኣብ መረበቱ ዝተረፈ ህዝቢ ሓዱሽ መለለዪ መንነት ተገዲዱ ክሕዝን ሓዱሽ ዘይሕጋዊ መሓውር መንግስቲ ብምጥያሽ ካብ ክልል ኣምሓራ ሰራሕተኛታት ክምደብ ይግበር ምህላው ኣይተ የማነ ኣረዲኦም።

ብወገን ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ወረራ ነቲ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዝፃባእ ከምዝኾነን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ሰብ ዋና ህዝቢ ትግራይ ክምለስ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና እውን ናብ መረበቱ ብቑልጡፍ ክኣቱን ይግበእ ክብሉ ድማ እቶም ተመለስቲ ሓርበኛታትን ተጋደልቲ ኣታሓሳሲቦም ክብል ትግራይ ቲቪ ፀብፂቡ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *