12 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
ኣሸንዳ_ማርያ_ዓይኒ_ዋሪ 2015 ዓ.ም ኣመልኪቶም ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግኣብሄር ከም ዝሓበርዎ፣ እቲ በዓል ኣብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከም ዝኽበርን ነዙይ ድማ መርሃ ግብሪ ወፂኡ ይርከብ ኢሎም።
በዚ መሰረት 13 ነሓሰ ሓበራዊ በዓል ዲያስፖራ ፍሉይ ምድላው ባዓል ኣሽንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪን ቀጥታ ፈነወ ካብ ሆቴል ኘላኔት ከምዝፎኖ፣ 15 ነሓሰ ምርኢት ጎደናን ምብራህ ጥዋፍን ዝኽረ ኩሎም ሰማአታት ከምዝካየድ፣ ካብ 16 ክሳብ 24 ነሓሰ ምርኢት ደቂ አሽንዳ፣ ማርያን ዓይነ ዋሪን ኣብ ሓራ ዝወፁ ከባቢታት ትግራይ፣ 17 ነሓሰ ኣሽንዳን ሃይማኖታዊን ክብሪታትን ብዝምልከት ዘተ ከም ዝካየድ፣ 18 ነሓሰ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ 5 ኪሎ ሜትሮ ብምትሕብባር ኣትሌቲክስ ፌደረሽን ትግራይን ገባሪ ሰናይ ትካል ፎሮም ኣክሽንን፣ 28 ነሓሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክካየድ እቲ መርሃ ግብሪ ምውፅኡ ኣፍሊጦም።
ካብዚኦም ወፃኢ ዝግበር ክንውን በዓል ኣሸንዳ ካብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ አፍልጦ ወፃኢ ከም ዝኾነ ድማ ዶክተር ኣፅበሃ ወሲኾም አፍሊጦም።
እቲ በዓል፣ “ኣሽንዳ 2015 ዓ.ም ንሰላም ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን” ብዝብል ህልው ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ቁጠባዊ፣ ባህላዊ ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊ ብዝገልፅ መልክዑ ከም ዝኽበር ዝጠቐሱ እቶም ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ፣ኣብ ትግራይ ብዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ልፍንታዊ ወራር ምኽንያት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፣ ኣሸንዳ_ማርያ_ዓይኒ_ዋሪ ብዕሊ ከም ዘይተኸበረን ሰብ ዋና እዚ በዓል ዝኾና ኣዋልድ ትግራይ ኣረሜናዊ ብዝኾነ ተግባር ብወረርቲ ከም ዝተረሸና፣ ኣካለን ከም ዝጎደላን ከም ዝተደፈራን ኢሉ እውን ስነ ልቦናዊ ሃስያ ከም ዝበፅሐንን ብምዝኽኻር፤ እንተኾነ ግና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ በዙይ እንተይተሰኮና ስነ ልቦነአን ብምሕዋይ ኣብ ልምዓት ክረባረባን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ከረጋግፃን ፀዊዖም ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ፀብፂቡ ኣሎ