ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሰብ መዚ መንግስቲ ተራኺቦም።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሰብ መዚ መንግስቲ ተራኺቦም ኣብ ጉዳያት ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሮቶርያ ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ፣ ምጥያሽ ተሰናበቲ ኣባላት ሰራዊት ፣ ሰግግር ፍትሒን ካልኦት ዛዕባታት መሰረት ገይሮም ክዝትዩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘምርሑ ተሓቢሩ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከም ዝሓበሮ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምበሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ሃገራት ጅቡቲ ፣ ኳታርን ኢትዮጵያን ዑደት ከም ዝገበሩን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ድማ ምስ ሰብ መዚ መንግስቲ ተራኺቦም ኣብ ጉዳያት ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሮቶርያ ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ፣ ምጥያሽን ተሰናበቲ ኣባላት ሰራዊት ፣ ሰግግር ፍትሒን ካልኦት ዛዕባታት መሰረት ገይሮም ከምዝዝትዩ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ዑደት ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ካብ ሎሚ 28 ሕዳር 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ዓሰርተ መዓልታት ዝፀንሕ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ድማ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሳለጥ ዋዕላ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ/ ኢጋድ/ ተሳቲፎም ኣብ ሱዳን ቀፂሉ ዘሎ ቕልውላው ኣብ ዝፍተሐሉ መንገዲ ክዝትዮ እዮም ተባሂሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *