ኣምባሳደር ሃገረ ነርወይ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተራኺቦም ዘትዮም።

ዕላዊ ገፅ ማድኣት ሐዚ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ ኣምባሳደር ሃገረ ነርወይ ኣብ ኢትዮጵያ ስተይን ክሪስተንሰንመስ ዳይሬክተር ልምዓት ኢጀነሲ ነርወይ ብሓባር ብምዃን ኣብ እዋን ቁሉዕ ወራር ብሓይልታት ትምክሕትን ስርዓት ህግደፍን ግዳይ ፆታዊ ጥቕዓት ምስ ዝኾናን ብማድኣት ኣብ ዝውነን ውሑስ ቦታን መናበይን ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ ከተማ መቐለ ብኣካል ተረኺቦም ምስ ግዳያት ብዛዕባ ዝበፅሐን ጥቕዓትን ስቓይን ፤ ዘለወኦ ህይወትን ኣድሂቦም ዘትዮም ንዝተዓቖባሉ ማእኸልን ኣገልግሎቱን ድማ ዑደት ኣካይዶም።

እቶም ኣምባሳደርን ዳይረክተር ልምዓት ኢጀነሲ ነርወይን ቀዳምነት ብምሃብ ዝከኣሎም ደገፍ ንኽገብሩን ስቅያት እተን ግዳያት ዝድበስ ንፆታዊ ጥቕዓት ከምመሳርሒ ኲናት ዝተጠቐሙን ኣካላት ብሕጊ ዋግኦም ክረኽቡ ከለው ከምዝኾነን ንዚ ንምትግባር ሃገረ ነርወይ ድምፂ እዘን ግዳያት ንኽትከውን ኣካያዲት ስራሕ ማደኣት ወይዘሮ ኣበባ ሃይለስላሴ ንቶም ኣምባሳደርን መዳርግቶምን ሓቲተን።

እቶም ኣምባሳደር ብወገኖም በቲ ዝበፅሐ ፀገም ሓዘን ከምዝተሰመዖምን ነርወይ ዝከኣላ ኩሉ ከምትገብር ቃል ኣትዮም።

All reactions:

88

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *