23 ሓምለ 2015 ዓ.ም
(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዲቮሎፕመንት ኣሶሴሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ምንቅስቃሳት ዝነጥፍ ዘሎ ትካል ኮይኑ ካብዚኦም ድማ ተምሃሮ ተቐቢልካ ካብ ቀዳማይ ብርኪ ጀሚሩ ኣብ ምምሃር ዝርከብ ዘሎ ኮይኑ ን3 ዓመታት ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ኣፀደ ህፃናት ክምህሮም ዝፀንሑ ህፃናት ወለድን ተምሃሮን ማሕበረሰብ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝተረከብሉ ኣመሪቑ ።
መስራትን ስራሕ መካየድን ኣልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዲቮሎፕመንት ኣሶሴሽን ኣይተ የማነ ወልደማርያም ከምዝበልዎ ዝነበረ ኣፀጋሚ ኩነታት ሓሊፍና ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊስና ሎሚ ተምሃሮና ንምምራቅ ብምብቃዕና ልዑል ሓጎስ ፈጢርልና እዩ ዝበሉ ኮይኖም ተምሃሮ ዋሕስ ፅባሕ ምኮኖም ብምእማን ዝግባእ ፍልጠትን ዓቅምን ንክሕዙ ኩለመዳያዊ ስራሕ ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊፆም።
እቲ ትካል ከም ሓዳ ሕ/ሰብ ንምሕጋዝን ንምድጋፍን ዕላማ ብምግባር ዓቅሚ ንዘይብሎም ወገናት ብነፃ ዝማሃርሉ ዕድል ከም ዝፈጠረ ዝገለፁ እቶም መስራትን ስራሕ መካየድን ኣልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዲቮሎፕመንት ኣሶሴሽን በዚ መሰረት እውን እቲ ትካል ዘለዎ ድርብ ሓላፍነት ተገነዚቡ ድማ ብቀፃልነት ስራሕቱ ኣጠናኪሩ ከም ዝቅፅል ድማ ሓቢሩ እዩ ።
ዋና ዳሬክተር ቤት ትምህርቲ ኣልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዲቮሎፕመንት ኣሶሴሽን መ/ር ተስፋይ ኣፅባሃ ብወገኖም እቲ ቤት ትምህርቲ ከም ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ብዙሓት ፀገማት ዝበፅሖ ዋላ ውን እንተኮን ግን ድማ ዘለዉ ሕፅረታት ተፃዊሩ ከይዲ ምምሃር ምስትማር እናሃበ ከም ዘሎ ሓቢሮም ።
ኣብቲ እዋን ምረቓ ዝተረከቡ ወለዲ ተምሃሮ ብወገኖም ደቆም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቆም ዋላውን እንተፀንሑ ሕዚ ግን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ኣብዚ ብምብቃዓም ልዑል ሓጎስ ከም ዝፈጠረሎም ሓቢሮም ኣለዉ ።
ሰምሃል መኾነን