“ኣልሸባብ ንሄሊኮፕተር ውድብ ሑቡራት ሃገራት ማሪኹ” – ማዕከናት ዜና BBCን AFPን

ሶማላዊ እስላማዊ ጉጅለ ዑጡቕ ኣልሸባብ ተሳፈርትን ኣብረርትን ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ዝሓዘት ሂልኮፕተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝማረኸ ተገሊፁ።

እታ ሂልኮፕተር ኣብ ዝዓለበትሉ ናብታ ኣብ ጥቓ ሓይልታት ሶማልያ ኣንፃር ኣልሻባብ መጥቃዕቲ ዘካይዱሉ ዘለዉ ከባቢ እትርከብ ከተማ ዊሲል ትበርር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እታ ሂልኮፕተር እቲ ጕጅለ ኣብ ዝቆፃፀሮ ማእከላይ ሶማልያ እያ ዓሊባ ኣበ ቁፅፅር ኣልሸባብ ኣትያ ዘላ።

ሶማላዊ እስላማዊ ጉጅለ ዕጡቕ ኣልሸባብ ተሳፈርትን ኣብረርትን ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ዝሓዘት ሂልኮፕተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓዘ ከፍልጥ ከሎ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ (ኣሚሶም) ኣብ ሓንቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻረያ መድሃኒት ተጓዓዕዝ ዝነበረት ሂልኮፕተር “ናይ ኣቬሽን ክስተት” ከምዘጋጠመ ኣሚኑ’ሎ።

እታ ሂልኮፕተር ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ምውዳቓ ክኣምን ዘይበሃገ ኣሚሶም ንታ ክስተት ኣጋጢምዋ ንዝበላ ንምድሓና ፃዕርታት ግብረ መልሲ ይሳለጥ ኣሎ ክብል ሓቢሩ’ሎ።

ወኪል ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ከምዝሓበሮ እታ ሂልኮፕተር ብዘጋጠማ ፀገም ከምዝዓለበትን ዝዀነ ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት ከምዘይነበራን ኣፍሊጡ።

እታ ሂልኮፕተር ኣብ ትሕቲ ቍፅፅር ኣልሸባብ ምእታዋ ሚኒስትሪ ፀጥታ ግዝኣት ጋልሙዱግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣፍሊጡ’ሎ።

ምስሊ – ፋይል

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *