“ኢንተርናሸናል ፈንድ ፎር ኣግሪካልቸራል ዲቨሎፕመንት (IFAD)” ዝተባሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ወረዳ ሳምረ ጣብያ ለምለም ዓረና ንዝርከብ ሩባ ዛምራ ብልዕሊ 62 ሚልዮን ብር በጀት ብምእላይ ንስራሕቲ መስኖ ንምውዓል ዓሊሙ ተግባራዊ ስራሕ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ሳምረ ኣይተ ኣለነ ፀሃይ ኣለም ከምዝበልዎ ሓረስቶት ኣማራፅታት መስኖ ተጠቒሞም ኣብ ዓመት ልዕሊ ክልተ ግዘ ኣልሚዖም ዝጥቀምሉን ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ንምርግጋዕን ዓሊሙ “ኢንተርናሸናል ፈንድ ፎር ኣግሪካልቸራል ዲቨሎፕመንት (IFAD)” ዝተባሃለ ገባሪ ሰናይ ንማይ ሩባ ዛምራ ብልዕሊ 62 ሚልዮን ብር በጀት ብምእላይ ንስራሕቲ መስኖ ንምውዓል ተግባራዊ ስራሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጦም።

እቲ ስራሕቲ ምእላይ ማይ እቲ ዝተጠቐሰ ገባሪ ሰናይ ትካል ምስ ምምሕዳር እታ ወረዳ ተላፊኑ ይሰርሖ ከምዘሎ ኣይተ ኣለነ ወሲኾም ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *