ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ሞያን ፌደራል ልዕሊ 8᎐ 8 ሚልዮን ዝዋግኦም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኮምፒዩተራት ፣ ማሽናት ቅየሳ ዝተፈላለዩ ወንበራትን ልዕሊ 1‚800 ዝተፈላለዩ መፃሕፍትን ካልኦትን ብሓገዝ ሎሚ ንቢሮ ቴክኒክን ሞያን ስልጠናን ስራሕቲ ፈጠራን ትግራይ ኣረኪቡ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ሞያን ፌደራል ዶክተር ቡሩክ ከድር ኣብቲ እዋን ስንስርዓት ምርክካብ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ንቐፃሊዉን ተጠናኺሩ ኽቕፅልዩ ኢሎም።
ሓላፊት ንቢሮ ቴክኒክን ሞያን ስልጠናን ስራሕቲ ፈጠራን ትግራይ ወይዘሮ ገነት ኣረፈ ብወገነን ኣብ ዘስመዐኦ ዘረባ እዚ ተገይሩዘሎ ሓገዝ ምስቲ ዝበፅሐና ከቢድ ሃስያ ኣብ ምቅላል ዓብይ እጃም ከምዝለዎን ካልኦትዉን ብተመሳሳሊ ሓገዞም ከበርክቱ ፀዊዐን።
ጋዜጠኛ ሹመይ ረብሶ