ኢትዮጵያ ብደረጃ ልዕልነት ሕጊ ካብ 142 ሃገራት መበል 129 ደረጃ ተሰሪዓ።

(104 4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣብቲ ሎሚ 14 ጥቅምቲ ብፕሮጀክት ፍትሒ ዓለም (WJP) ዝተዘርግሐ ገምጋም ልዕልና ሕጊ 2023 ውጽኢት ገምጋም ልዕልነት ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወሪዱ ካብ 142 ሃገራት ዓለም ኣብ መበል 129 ደረጃ ሒዛ ኣላ ክብል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብቲ ሎሚ ብፕሮጀክት ዓለም ለኸ ፍትሒ ዝተዘርግሐ ገምጋም ልዕልና ሕጊ ኢትዮጵያ ካብተን ኣብታ ኣህጉር ዝርከባ 34 ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣብ መበል 30 ደረጃ ተሰሪዓ ምህላዋ እውን ኣረዲኡ።

እቲ ንሰብኣዊ መሰላት፣ ተበፃሕነት ፍትሒ፣ ግዕዝይናን ምልኪን ዝምርምር ኢንስቲትዩት ከምዝበሎ ኢትዮጵያ ካብተን 18 ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት መበል 15 ደረጃ ከምዘላ እውን ኣፍሊጡ እዩ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *